ERC logo w_One Day Seyoum (1).png

ማእከል ስደተኛታት ኤርትራ(Eritrean Refugee Center -ERC-)፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስ ደገፍ ክህቡ ዝኽእሉ ወለንታውያን ሓደ ንሓደ (1:1) ብምርኻብ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበር ዘተ ወይ‘ውን ኣብ ኢንተርነትዘለዉ ምንጪታት ሓበሬታና ብምትሕሓዝ፡ ንዘለዎም ሓፈሻዊ ይኹን ወይ ‘ውን ህጹጽ ሽግራት፡ መፍትሒ ክረኽብሉ ዚኽእሉ ዕድላት ብምድላው፡ ከመኡ ድማ ብዓውደ መጽናዕትን ብሞያን ክምዕብሉ፡ መምርሒ ብምሃብ ኢና ንተሓጋገዞም።

ዕላማና፡ ዝተፈላለዩ ንሞያዊ ዕቤት ዝሕግዙን ካልእ ሓፈሻዊ ጥቅምታት ዘለዎም ኣገልግሎት ብምቅራብ፡  ንማሕበራዊ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመሓዪሽካ፡ ጥጡሕ መጻኢ ምውሓስ እዩ።  መደብና፡ በቲ ዘለና ዓቅሚ-ሰብ ጌርና ንኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ’ቲ ዘድልዮም ኣገልግሎት ዘቅርቡ ክኢላታት ዘራኽብ ናይ ወለንታውያን መርበብ ምፍጣር እዩ፤ እዚ ከም መወሰኽታ እምበር ከም መተካእታ ናይ’ቶም ካልኦት ኣገልግሎት ዝህቡ ኣካላት ክረአ ኣይግባእን። 


ብኸመይ ኣገባብ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ፧

ኣተኩሮና ከመይ ይመስል፧ ኣተኩሮ ሂብና አንሰርሓሎም ጉዳያት ብዙሓት እዮም፥ (ህጹጻት ጉዳያት፡ ምጥራዝ፡ቀይድታት፡ ምስ ምምሕዳር ተኣሳሲሩ ዘጋጥም ጸገማት፡ ኣብ ምርካብ መስርሕ ወረቓቕቲ ምሕጋዝን ከምኡ ውን ምስ'ዚኦም ተኣሳሲሩ፡ ሃንደበት ንዘጋጥሙ ካልኦት ሽግራት፡ ሽፋነ ይገብር።) ብተወሳኺ፡ ምስ ዓውደ ትምህርትን ሞያዊ ምዕባለን ዝተኣሳሰር መምርሒታት ብምሃብ፡ ነማኽር።

We+advocate+at+international+forums+such+as+the+United+Nations+and+the+African+Commission+on+Peoples%E2%80%99+and+Human%E2%80%99s+Rights+and+regularly+speak+at+international+conferences+and+to+the+media+to+shine+light+on+the+Eritrea+%282%29.jpg

ኣብ ኢንተርነት ዘለዉ ምንጪታት ሓበሬታና

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ክኸስብሉ ዝኽእሉ፡ ዝርዝር ናይ ውድባት፡ ኣገልጉሎታት ከመኡ ውን ዕድላት፡ ንዝርግሕ።  CV ኣብ ምጽሓፍን ከምኡ’ውን ማህደረ-ትምህርቲ (scholarship) ኣብ ምምልካትን ዝሕግዙ ሓበሬታታት፡ ኣለዉና። ብተወሳኺ፡ ካልኦት ዕድላት ክኸፍቱ ዝኽእሉ፡  ተግባራውን ጠቓምን ምኽርታት ዘለዎም ሓበሬታታት’ውን ነቕርብ።

ኣብ ምጽሓፍ CV ከም ኡ ውን ማህደረ-ትምህርቲ (scholarship)ንምምልካት ዝሕግዙ ፡ሓበሬታታት ኣለዉና። ብተወሳኺ፡ ካልኦት ዕድላት ክኸፍቱ ዝኽእሉ  ተግባራውን ጠቓምን ምኽርታት ዘለዎም ሓበሬታታት ውን ነቕርብ።


Untitled+design+%283%29.jpg

ሓደ ንሓደ (1:1) ሓገዝ

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉዳያት ምስ ዝሕግዝዎም ወለንታውያን ነራኽብ። ናይ ትምህርቲ ከምኡ'ውን ናይ ሞያ ምኽሪ ኣብ ዘድልዮም ግዜ፡ ወለንታውያን ነዚ ዝምልከት ኣገልግሎት ይህቡ። ንኣብነት፥ CV ናይ ምጽሓፍ ሓገዝ፡ ሞያ ዘማዕብል ምኽሪ ምሃብ፡ ናብ ዩኒቨርስቲ ኣብ ምምልካት ምሕጋዝ፡ንዕኦም ዝጠቅም ዕድላት ምርካብ፡ ከምኡ'ውን ምስ ኣብ'ቲ ዝመረጽዎ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰብ-ሞያውያን ነራኽብ።

Untitled%2Bdesign%2B%25284%2529.jpg

መደባት

ብዛዕባ ብቕዓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምምዕባል ዝሕግዝ ከመኡ’ውን ኣገዳሲ ሓበሬታታት  ዝሓቑፍ መዳባት፡ ኣብ ኢንተርነት ዝግበር ስልጠናታት፡  ኣብ ኣኼባ ዝግበር ኣስተምህራዊ ዘተታት ንሰርዕን ምኽርታት ንህብን። 

 

ፋይናንስያዊ ሓገዝ ኣይንገብርን።

ርኸቡና

ኤርትራዊያን ስደተኛታት እንተኾይንኩም፡ ከመኡ ውን ሓገዝ ምስ ዘድልየኩም፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ መራኸቢ መንገድታት፡ ብናይ ጽሑፍ ወይ ውን ናይ ድምጺ መልእኽቲ ሽግርኩም ብዝርዝር ገሊጽኩም ምስ እትሰዱልና፣ ምስ ክሕግዙኹም ዝኽእሉ ወለንታውያን ከነራኽበኩም ንኽእል ኢና። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ናይ ስልኪ ጻውዒት ኣይንቕበልን ኢና ዘለና። እቲ ዘድልየኩም ሓገዝ፡ ህጹጽ ምስ ዝኸውን ኣብ መጀመርታ ናይ መልእኽትኹም ኣነጺርኩም ክትሕብሩና ብትሕትና ንሓትት። 

መልእኽትኹም ምስ ኣንበብናዮ፡ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልታት ክንውከሰኩም ኢና። መልእኽትኹም ህጹጽ ምዃኑ ሓቢርኩም ምስ እትኾኑ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክንረኽበኩም ኢና።


ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ

ERC ንነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ግዝዪኡ ዝሓለወ ደገፍ ንኽህብ ድሉው እኳ እንተኾነ፣ ዘለና ቐረብን ሽግርኩም ምሉእብምሉእ ናይ  ምፍታሕ ዓቕምን ድሩት እዩ። እቲ እንኮ ክንመባጽዖ እንኽእል ነገር ፣ ወለንታውያንና ዓቕሞም ብዝፈቐዶ፣ ንኽሕግዙኹም ዝከኣሎም ከም ዝጽዕሩ እዩ።

ብኸመይ ኣገባብ ክትሳተፉ ትኽእሉ፧

 

ወለንተኛ

ዝኾነ ሰብ፡ ዘለዎ ብቕዓት ብዘየገድስ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብወለንታዊ ድሌት፡ ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኤርትራ፡ ኣብ ዝትፈላለዩ ዕማማት ብምስታፍ፡ምሕጋዝ ይከኣል። ንኣብነት፥ ትሕዝቶ ናብ ቛንቛ ትግርኛ ብምትርጓም፡ ንናይ ስደተኛታት ጉዳይ ዘሳልጡ ሰራሕተኛታት ኣገልጉሎት ትርጉም ቛንቛ ብምሃብ፡ ከምኡ ውን ኣብ ዓውደ ትምህርትን ሞያዊ ዕቤትን መምርሒ ብምሃብ፡ክትሳተፉ ትኽእሉ።ናይ ERC ወለንተኛታት ካብ ዝኾነ ቦታ ናይ ዓለም ክሰርሑ ዝኽእሉ ኮይኖም፡ ኣብ ሰሙን እንተውሓደ ን5-10 ሰዓታት ይሰርሑ።

 

ኣማኻሪ ብምዃን

ከም ኣማኸርቲ፡ ናትኩም ተመኩሮ ወይ ‘ውን እቲ ንዕኦም ዘገድሶም ኢንዳስትሪ ንክድህስስዎ፡ ፍልጠትኩም ወይ’ውን ብቕዓትኩም ብምክፋል ክትተሓባብርዎም ትኽእሉ።ትጽቢትና፡ ማሕበረ-ኮም ኣቚምና፡ ምስ ኤራትራውያን ስደተኛታት፡ሓንሳእ ክረኽብዎም ወይ'ውን እንተ ተኻኢሉ ቐጻሊ ዝምድና ከማዕብሉ እምበር፡ ወግዓዊ ኣማኻርነት ኣይኮነን።

 

ምሳና ብምሽራኽ

ምሳና ብምሽራኽ፡ንኤርትራውያን ስደተኛታት ክጠቅም ዝኽእል፡ ዕድላት ክተዳልው ትኽእሉ። ብዝተፈላለየ መገድታት፡ ማለት፡ሓባራዊ ፕሮጀክትታት፡ሃናጺ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣኼባታት፡ ወይ ‘ውን ናይ ኦንላይን ዘተ ብምድላው፡ንዓማዊልና ኣገልግሎታት ብምሃብ፡ኣገንዛቢ ጥርናፈታት ብምውዳብ፡ምሳና ክትሻረኹ ትኽእሉ። ሓቢርና መደብ ከነውጽእ ርኸቡና!

ስለምንታይ “ማእከል ስደተኛታት ኤርትራ” መስሪትናዮ፧

ነዚ ሕጂ ዘሎ፡ ኣብ  ፈቐድኡ ፋሕ ዝበለ ዘይምእኩል ኣገባብ ኣተሓሕዛ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ተስፋና፡ ሰፊሕ ሸፈነ ዘለዎ ሓገዝ ንምብርካት ማለት ካብ ሓፈሻዊ ክሳብ ህጹጽ ድጋፍ ክንገብር ዘኽእለና ምእኩልን ጭቡጥን ደምበ ንምፍጣር እዩ። 

ውልቃውን ሞያውን ምዕባለ ኤርትራውያን ስደተኛታት እናደገፈ፡ ማእከል ስደተኛታት ኤርትራ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታን ንትምህርቶምን ንሸቶታት ምምዕባል ሞያኦምን ድጋፍ ይገብር። ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቲ ዝሰኣንዎ መጻኢኻ ናይ ምውሳን መሰል መታን ክረኽቡ፡ ነዚ ማእክል ምፍጣር ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ እምንቶና እዩ። ኤርትራውያ ስደተኛታት፡ ኣብ መንጎ —በቲ ሓደ ሸነኽ ስድራኻን ማሕበረሰብካን ንምሕጋዝ ተቐላጢፍካ ስራሕ ምርካብን፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ብትምህርትን ብሞያዊ ጻዕሪን ነቶም ነዊሕ ዝጠመትኦም ሸቶታት ናይ ምህራም ድልየትን፡ ሚዛናውነት ንክረኽቡ ክንሕግዝ፡ ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና። እቲ ቐንዲ ነዚ ክንገብር ዝድርኸና ነገር፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ፡ ጨኳኒ ስርዓት ዝሓንጸጸሎም ህይወት ወጺኦም፡ ክብርን ትርጉምን ዝ ህቦም ህይወት ክመርሑ ኣለዎም ዝብል እምነት እዩ። ብሓጺሩ፡ ዝበለጸ ስራሕካ፡ እተፍቅሮ ምስ እትሰርሕ እዩ ዝርከብ ኢልና ስለ እንኣምን፡ ናትና ዕላማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምኡ ንክረኽቡ እዩ።