እቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኤርትራ ኮይኑ ልዕሊ 150 ግጥምታት ዝጸሓፈ ገጣማይ

without logo.png

ጸጋይ መሓሪ ኣብ ደቡባዊ ኤርትራ እትርከብ ክንን እትብሃል ዓዲ ዝተወልደ ገጣማይ ኮይኑ፡ ክሳብ ወዲ 12 ዓመት ምስ ስድራቤቱ ኣብ ዝተወልደሉ ዓዲ ዓብዩ። ብድሕሪ’ዚ፡ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ኣስመራ ተጓዒዙ። ክሳብ’ቲ ኣብ 2009 ብስርዓት ህግደፍ ተኣሲሩ ኣብ 2013 ብነጻ ዝልቀቕ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ኤርትራ ዝተቐመጠ ገጣሚ’ዩ። ኣብ ሰነ 2017፡ ሳርማታት ኣደይ ዘርእስታ እኩባት ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ ኣሕቲሙ። እታ መጽሓፍ ድሮ ናብ ኣርባዕት ቋንቋታት ተተርጒማ ንመሸጣ ተቐሪባ ትርከብ።እታ ትግርኛን እንግሊዝን ብሓባር ዝሓቖፈት መጽሓፍ ኣብዚ ክትግዛእ ትኽእል።

ጸጋይ መሓሪ፡ ናይ ዋን ደይ ስዩም ቀዳማይ ዕዱም ናይቲ “ናይ ኤርትራ ስነ-ጥበብን ተቃውሞን” ብዝብል ወርሓዊ ዝቀርብ መላለዪ መደብ እዩ።እዚ መደብ፡ ንስነ-ጥበብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንተቃውሞ እቲ ጨኳኒ ስርዓት ኤርትራ ኢሉ ንዝዳሎ ስነ-ጥበብ ኣተኲሩ ዝድህስስ እዩ። ዕላማ ናይ’ዚ መደብ፡ ስርሓት ናይ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ኣቅሪብካ፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ኤርትራውያን ዘሕልፍዎ ምምሃርን ከምኡ ድማ ንኻልኦት ስነ-ጥበባውያን ተውህብኦም ንተቃውሞ ክጥቀሙሉ ንምትብባዕን እዩ።

ቀጺልና ናብ’ቲ ምስ ጸጋይ መሓሪ ዘካየድናዮ ቃለ-መሕተት ክንሰግር።

ብዛዕባኻን ብዛዕባ ድሕረ ባይትኻን ንገረና።

ዛንታይ ብሓንቲ ካብ ግጥምታተይ ክጅምሮ ደስ እብለኒ።

መቐረተይ

እናተለብለብኩ ብሓዊ ሓሳባት

ምስ ተኻሰስኩ ኣብቲ ሞቚሎ ህይወት

ቃንዛ ደገን ውሽጥን ጸይረ

በሲለ።

ከደድ ኢለ ወጺአ

ሰሪረ።

ነብሰይ ጥዒመያስ

መቂረ።

ስለ እዚ ዝረኸብክዎ ፍሉይ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄርን ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያምን ከመስግን ይፈቱ። ብዛዕባ ታሪኸይን ናይ ግጥሚ ጉዕዞይን ምስ ዋን ደይ ስዩም ከዕልል ብዝረኸብክዎ ዕድል ሕጉስ እየ።

ብ1986’የ ኣብ ሓንቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኤርትራ እትርከብ ክንን እትብሃል ዓዲ ተወሊደ። ስድራቤተይ ኣዝዮም ሃይማኖታውያን እዮም ኔሮም። ኣብ ስድራቤትና፡ ፍቅርን ቅኑዕ ግብርን መትከልናን እንነብረለን ጎደናን እየን ኔረን። እንተኾነ፡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ፡ ጽቡቅን ሕማቅን ግዜ’ውን ኔሩ። ናብ መባእታ ቤት-ትምህርተይ ክበጽሕ መዓልታዊ መገዲ ኣርባዕተ ሰዓት ይጎዓዝ ኔረ። ወላ’ኳ ትምህርቲ ይፈቱ እንተ ነበርኩ፡ ከም ወዲ ሸሞንተ ዓመት መጠን: እቲ ጉዕዞ ንዓይ ኣዝዩ በዳሂ እዩ ኔሩ። መባእታዊ ደረጃ ምስ ዛዘምኩ፡ ማእከላይ ደረጃ ንኽቅጽል ናብ ኣስመራ ኣምሪሐ። ካብ ሽዕኡ ኣትሒዙ፡ ሂወተይ ከም ሕብሪ ቀስተ-ደመና እናተቀያየረ ይቕጽል ኣሎ።

ናይ ትግርኛ ግጥሚ ምንባብ ኣብ መባእታ ደረጃ እየ ጀሚረ። ናብ ትምህርቲ እንዳተመላለስኩ፡ ሓንሳብ ንበይነይ ሓንሳብ ምስ ኣዕሩኽተይ ኮይነ ዝደጋግመን ግጥምታት እውን ነይረን እየን። ካብ’ቲ ሽዑ እዋን ክሳብ እዛ ካልኢት ድማ ግጥሚ ናይ ሂወተይ ተምሳጥ ኮይኑ ይቅጽል ኣሎ። ከፍቅርን ይቅረ ክብልን፡ ክፉት ሓንጎል ክህልወንን፡ ሂወት ብተፈጥሮኣዊ ዓይኒ ክጥምታን ወላ ኣብ ጸልማት ብርሃን ክርእን ክፈጥርን ሓጊዙኒ። ግጥሚ ንሂወት ከም ዘላታ ንኽቅበላን፡ ነቲ ዘለኒ ንኸፍቅሮን ሓጊዙኒ።

ግጥሚ ምጽሓፍ መዓስ ጀሚርካ፧

ግጥሚ ምጽሓፍ፡ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ከለኹ እየ ጀሚረዮ። ኣብ’ቲ ሸዑ ግዜ፡ ብዛዕባ ናይ ግጥሚ መሰረታዊ ኣጸሓሕፋ፡ ወላ ሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ምስ ናይ መወዳእታ ፊደላቶም ዝቓደው ቃላት እንዳወሃሃድኩ እየ ግጥሚ ዝሰርሕ ኔረ።ኣብ 2003፡ ናይ ስነ-ጽሑፍ ትምህርቲ ክምሃር ዕድል ረኺበ። ብድሕሪኡ፡ ግጥምታተይ ኣብ ጋዜጣ ክሕተም ከምኡ ኸኣ ኣብ ሬድዮን ተለቪዥንን ክቓላሕ ጀሚሩ። እዚኣ ሓንቲ ካብተን ኣብ ጋዜጣ ዝተሓትማ ግጥምታተይ እያ፤

ሓዊ ደልዩ ሓዊ

እቲ ኩምራ ዕንጸይቲ

ምንዳድ ምስ ኣበዮ ንሓዊ

ጥርናፈ ምዃኑ ሓይሊ

ግዲ ኣሚኑስ

ሓው ደልዩ ሓዊ።

ብዛዕባ ኤርትራ ግጥሚ ንክትጽሕፍ እንታይ እዩ ደሪኽካ፧

ኣነ ብዛዕባ ስምዒታተይ፡ ትዕዝብታተይን ሓሳባተይን እየ ዝጽሕፍ። ካብ ብኣእምሮይ ዝቐርጾ ሓሳባትን ካብ ሕልምታተይን ተበጊሰ እየ ዝጽሕፍ። ብዛዕባ ትርጉም ህይወትን ኣነ ንህይወት ብኸመይ ይርእያን፡ ንኣንበብተይ ክገልጸሎም እፍትን። ኣነ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዝጽሕፈሉ ምኽንያት ኤርትራዊ ስለ ዝኾንኩ እየ። ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ባህሊን መነባብሮን፡ ከመኡ’ውን ብዛዕባ ኣገዳስነት ሓሳብካ ናጻ ኮይንካ ምግላጽን ናይ ሕትመት ናጽነትን ኣብ ኤርትራ፡ ክጽሕፍ ባህሪያዊ እዩ። ልክዕ ከም ኩሉ ሰብ፡ ኣነ ኣብ’ዚ ብኣካል ይሃሉ ድኣ እምበር፡ ብመንፈስ’ሲ ምስታ ኣዝየ ዘፍቕራ ሃገረይ እየ ዝነብር። ተስፋ እገብር ድማ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ’ታ ኣዝየ ዘፍቕራ ኤርትራ ንኽምለስ።

ስለምንታይ ኢኻ ተኣሲርካ፧ ኣብኡ’ኸ ተመኩሮኻ ከመይ እዩ ኔሩ፧

ኣብ ኤርትራ፡ ቅኑዕ፡ ተባዕ፡ ሓቀኛ ጸሓፊ እንተ ኾይንካ፡ ወይ ሃገር ገዲፍካ ክትኸይድ ኣለካ ወይ ድማ ኣፍካ ክትሕዝ ኣለካ። ነቲ ብቕንዕና ዝጽሕፍ ከኣ ንኣፉ ክትዓብሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ድማ፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ጸሓፍቲ፡ ነታ ኣዝዮም ዘፍቅርዋ ሃገሮም፡ ንድሕሪት ገዲፎም ክኸዱ ተገዲዶም እዮም። ካልኦት ከኣ ብዘይፍርድን ብዘይ ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳብ ሕጂ ኣለው።

ኣነ ንባዕለይ፡ ምስ ካልኦት 25 ዝኾኑ ጋዜጠኛታት፡ ገጠምትን፡ደርስትን ተኣሲረ ኔረ። ንሕና ዝትኣሰርናሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዓድና፡ ሓርነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ስለዘየለ ኢና ተኣሲርና፤ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል የለን። ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ፡ ትርጉም ግጥምታተይ: ዓንቀጻተይ ወይ ጽሑፋተይ ክሓቱኒ ጀሚሮም። ንናይ ተቓወምቲ ፈነወ ሬድዮ ጽሑፋት ወይ ግጥምታት እሰደሎም እንተ ኔረ ሓቲቶምኒ። መሕተቲኦም ምኽንያት፡ ንዓይ ኣብ ራዕዲ ምእታው እዩ ኔሩ እምበር ድራማ ምናብሩ ወላ እቶም መርመርቲ ጸኒሖምስ ተረዲእዎም’ዩ። ንዓና መእሰሪኦም ምኽንያት’ውን ኣብ መላእ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ጸሓፍቲ፡ ጋዜጠኛታትን ገጠምትን ራዕድን ሽበራን ንምፍጣር ስለ ዝደልዩ ዝነበሩ እዮም። ንሕና፡ ካብታ ዝተኣሰርናላ መዓልቲ ኣትሒዝና ክሳብ እታ ዝተፈታሕናላ ሰዓት ዝወዓልናዮ ገበን ኣይነበረን። ንሳቶም እውን ንሕና ገበን ከምዘይነበረና ባዕላቶም ነጊሮምና እዮም ኣብ መወዳኣትኡ።

እተን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዘሕለፍካየን እዋናት፡ ኣብ ምስራሕ ጽሑፋትካ ከመይ ዓይነት ጽልዋ ኣሕዲረናልካ፧

ናይ ዓይኒ-ምድሪ ወረቐት ተጠቒመ፡ ኣብ ጸልማት ልዕሊ 150 ግጥምታት ጽሒፈ አንተበልኩኺ፡ ሂወተይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብ ኣእምሮኺ ክትቐርጽዮ ትኽእሊ ትኾኒ። ብርዕን ወረቐትን ክህልወካ ኣየፍቕዱልካን እዮም። እተን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታተይ፡ብመልክዕ ዕለታዊ ዝኽሪ ሰኒደየን’የ እንተበልኩኺ፡ እቲ እዋን ከመይ እጸለወኒ ከም ዝነበረ ኣብ ኣእምሮኺ ክትቐርጽዮ ትኽእሊ ትኾኒ። ኣእዳወይ ብቓንዛ ለሚሰን እኳ እንተ ነበራ፡ ግጥምታት ግን እጽሕፍ ኔረ እንተበልኩኺ፡ ሂወተይ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብ ኣእምሮኺ ክትቐርጽዮ ትኽእሊ ትኾኒ።

ናብራ ቤት-ማእሰርቲ ተባዕ ገጣሚ ክኸውን እዩ ምሂሩኒ። ሂወትና ሓጻር ምዃናን ናጻ ኮይንና ብፍቕርን ይቕረ ምብህሃልን፡ ክንሓልፋ ከም ዘለናን ምሂሩኒ። ምእንቲ ሓቅነት ክንነብር ከም ዘለናን፡ ምእንቲ ሓቅነት ክንመውት ከም ዘለናን ኣዘኻኺሩኒ፤ ልክዕ ከም’ቲ ሶቁራጦስ ንሓቂ ክብል ንመርዚ ሄምሎክ ብትብዓት ዝሰተዮ።

እቲ ውልቀ-መላኺ፡ ናጽነተይ ምስ ኣሕደገኒ፡ ኣነ ድማ ኣብ’ታ 180 ብ 180 ሰንቲ መተር እትዕቀን፡ ናይ ቤት-ማእሰርቲ ሸላ ኮይነ፡ ናጽነተይ ንክመልስ ተቓሊሰ። ብኣካል ድኣ እዮም ኣሲሮምኒ ኔሮም እምበር፡ ንሓሳባተይ ኣይኮነን ኣሲሮሞ ኔሮም። ዳርጋ 150 ዝኸውን መጸሓፍቲ ኣንቢበ ኔረ። ነቲ ውልቀ-መላኺ ከውድክቐኒ ዕድል ኣይሃብክዎን። እቲ ውልቀ-መላኺ፡ ክመውት እኳ እንተ ተመነየለይ፡ ኣነ ግና ኣንጻር ናቱ እየ ዝገበርኩ። ድሒነ። ብፍቕሪ እግዚኣብሄርን ብፍቕሪ ስድራ ቤተይን ድሒነ እየ። ከም ሓቂ፡ ካብ’ታ ናይ ቤት-ማእሰርቲ ሸላ፡ ብዝያዳ በርቲዐን ዘይጽዓድ ሰብ ኮይነን ወጺአ።እዛ እትስዕብ ግጥሚ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እየ ገጢመያ፤

ረጊጸ ኣለኹ

ንሕልናይ ናሰማዕኩም

ንስጋይ ጸሚመ

ንመንፈስይ እናቐለብኩ

ንስጋይ ኣጥምየ

ኣብዛ ዳስ ሳልስቲ

ፈራሲት ህይወት

ካብ ምውቕ ጊላነት

ቆራሪ ሓርነት መሪጸ

ኣብቲ ዝኣምነሉ

ኣለኹ ረጊጸ።

ገለ ካብተን ጸጋይ መሓሪ ኣብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ቤት-ማእሰርቲ እንከሎ ዝጸሓፈን ግጥምታት

ገለ ካብተን ጸጋይ መሓሪ ኣብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ቤት-ማእሰርቲ እንከሎ ዝጸሓፈን ግጥምታት


ካብ ኤርትራ ብኸመይ ኢኻ ወጺእካ፧ ሕጂ’ኸ ኣበይ ኢኻ እትነብር ዘለኻ፧

ካብ’ታ ዘፍቕራ ሃገረይ ክፍለ እየ ኢለ ዝወሰንኩላ ናይ መወዳእታ እዋን ኣጋ ምሸት፡ ትዝከረኒ። ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ሆቴል እምባ ሶይራ እየ ኔረ። ኣብኡ ኮይነ ድማ ብኣማረ ወልደስላሴ ዝተጻሕፈት “ጽሕፍቶ” ዘርእስታ ናይ ግጥሚ መጽሓፍ ገምጋም ወይ ጦብላሕታይ አቕርብ ኔረ። ነቲ ዕድል ተጠቂመ ነቲ ኣብ ልበይ ብዛዕባ ግጥሚ ዝስምዓኒ ዝነበረ ነገራት፡ ብዛዕባ ነጻ ኮይንካ ሓሳብካ ምግላጽን ከምኡ’ውን እቲ ንግጥሚ ኣዝዩ ዝፈርሕ ስርዓት ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ንስነ-ጽሑፍ ከም ዝጨፍልቖን ተዛሪበ። ብርግጽ ብውስጠዝኣዊ ቋንቋ። ንጽባሒቱ፡ ሽዑ ንሽዑ ንሃገረይ ገዲፈ ከይደ።

እቲ ጉዕዞ፡ ኣዝዩ ነዊሕን በዳህን እዩ ኔሩ። ናብ ሃገረ ሽወደን፡ ብመንገዲ ኢትዮጵያ፡ ብሱዳን፡ ብምድረ-በዳ ሰሃራ፡ ብሊብያ፡ ብማእከላይ ባሕርን ብዓዲ ጥልያንን ጌረ እየ መጺአ።እታ፡ 361 ዝኾኑ ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዓበይትን ህጻናትን ከይተረፉ ብቕጽበት ዓይኒ ጥሒሎም ዝሞቱላ፡ ላምፐዱዛ እትበሃል ወደብ ርእየያ።

ኣብ 16 ሰነ 2014፡ኣብ ሃገረ ሽወደን በጺሐ። ኣብ 2015 ድማ፡ ናይ መንበሪ ፍቓድ ሒዘ። ቐጺለ፡ ብዝተኸኣለኒ ዓቕሚ ኣርባዕተ ዕላማታት ክወቕዕ ኣለኒ ኢለ መደብ ሓንጺጸ። መጀመርታ፡ ንቛንቛ ሽወደን ንምጽናዕ እዩ ኔሩ፤ እዚ ኸኣ ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣዝዩ ወሳኒ ነገር እዩ። ኣብቲ ካልኣይ ፡ ብናይ ስነ-ኣእምሮ ዓውደ ትምህርቲ ዲፕሎማ ክስቕል ኣለኒ ኢለ፤እቲ ሳልሳይ ድማ መምርሒ ፍቕድ መኪና ንምውጻእ እዩ ኔሩ። እቲ ራብዓይ ዕላማይ ድማ መጽሓፈይ ንምሕታም ነበረ። እግዚኣብሄር እመስገን፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ንኹሎም ዕላማታተይ ፈጺመዮም። ኣብ’ዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ዓውደ ስነ-ኣእምሮ ከም ተሓጋጋዚ ነርስ ኮይነ እሰርሕ ኣለኹ። ንሞያይ ኣዝየ እየ ዘፍቕሮ። ንብናይ ኣእምሮ ሕማም ዝተጸገሙ ሰባት፡ ምኽርን መድሃኒትን ተጠቂመ ክሕግዞም ከለኹ፡ ኣዚዩ ደስ ዘብል ባህታ እዩ ዝስምዓኒ።

ካብ ኩለን ገጥምታትካ፡ ኣየኖት እየን እተን ዝያዳ ዘሕብናኻ፧

ኣነ ብኹለን ግጥምታተይ ሕቡን እየ። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍ ግጥሚ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሳ ተምሳጥን ዛንታን፡ ሓጎስን ጓህን፡ ፍቕርን ይቕረ ምብህሃልን ፡ ስለ እትነግር። ካብ ሓተትክኒ ግና፡ እተን ኣብሊጸ ዝፈትወን እዚኣተን እየን፥

ሳርማታት ኣደይ፣ ረጊጸ ኣለኹ፣ ሰብ ምዃን ግደፎ፣ ሕልመይ ዝወለዶ ሕልሚ፣ ብዓል ሻምብቆ፣ ሰራሒ ልኬቶ፣ ሕብሪ ቆርበት፣ ወሕዝን ድሩቕን፣ ተገረሚ፣ ራዕዲ መልኣከ ሞት፣ እንኮ ኣማራጺ፣ ምሳይ ቀኒ … ዝብላ ግጥምታት ክጠቅስ እኽእል።

ናይ መጻኢ መደባትካ ከመይ ይመስል፧

ነቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝሓለፍክዎ ሂወት እትትርኽ መጽሓፍ፡ እጽሕፍ ኣለኹ።

ዋን ደይ ስዩም እዚ ፍሉይ ዕድል ስለ ዝሃብኩምኒ ልባዊ ምስጋናይ አቕርበልኩም!


ኣብ 2001፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝተቃወሙ ጉጅለ ተኣሲሮም። ዋን ደይ ስዩም፡ ነቲ ዝጀመርዎ ንህዝቢ ኤርትራ ድምጺ ናይ ምዃን ስራሕ እንዳቀጸለት ንምፍትሖም ትቃለስ ትርከብ። ዋን ደይ ስዩም፡ ብመንእሰያት እትካየድ፡ ኣንጻር ምግሃስ ሰበኣዊ መሰላት ኤርትራውያን እትቃለስን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ደገፍ እትህብን ውድብ እያ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ብዛዕባና ከምኡ’ውን ብኸመይ ኣገባብ ክትሳተፉ ከምትኽእሉ ንክትምልከቱ ኣብ onedayseyoum.org ተዓዘቡ።




Previous
Previous

One Day Seyoum Statement On The War In Tigray (update from 9 Nov 2020)

Next
Next

The Poet Who Wrote Over 150 Poems In An Eritrean Prison